ዛዕባ ፍቅሪትግርኛ ዌብሾፕ!

እንኳዕ ናብ ፍቅሪትግርኛ ብሰላም መጻእኩም!

 

መንያ ፍቅሪ ትግርኛ?

ስመይ ሰላም ፍሳሃየ ይበሃል። ኣብ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ መቃብ-ጻልባ ድማ ተወሊደ ዓብየ።  ኣብዚ ሕጂ ግዜ ድማ ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ምስ ጓለይ ይነብር ። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ናይ network engineering ክመሃር ጸኒሐን ይመሃር ኣለኩን።

 

ስለምንታይ እየ ነዚ ዌብሳይት  ፍቅሪትግርኛ  ጀሚረዮ?

መበገሲ ናይዚ ዌብሳይት ፍቅሪትግርኛ፡  ኣነ ከምቲ ኣቀድም ኣቢለ ዝበልክዎ ተማሃሪ ናይ network engineering እየ። ብዙህ እኳ ምስዚ ዌብሾፕ ምትሕሓዝ እተዘይብሉ፣ እቲ ፍቅሪ ናይ digitalisation ግን ኣይገደፈንን። ብከምዚ ከኣ እዚኣ ዌብሾፕ ምሳኩ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለኩ መላለይ ትከው እያ ብምባል ሰሪሐያ።  

ናተይ ራኢ ከመይ ጌርና ነቲ ጽቡቅ ድሕረ ባይታ ኤርትራውያንን ቋንቋናን ምስ ደቅናን ከባቢናን ነላሊ እዩ። ብዓቢኡ ድማ ኣበርቲዕካ ምስራሕ ነታ ናይ ጽባ ኤርትራ።

 

እንታይ እዩ ንፍቅሪትግርኛ ዌብሾፕ ፉሉይ ዝገብራ?

ንፍቅሪትግርኛ  ዌፕሾፕ  ፍሉይ ዝገብራ፧ ዳርጋ የለን።

ኣገልግሎት ናይ ፍቅሪትግርኛ ነዚ ይመስል፡

  • ክዳውንቲ: ብደስ ዝበለና ሕብሪ፣ ጽሑፉት ብትግርኛ ብኢግሊሽካልኦትን፣ ስታይል 
  • ቦርሳታት:ብደስ ዝበለና ሕብሪ፣ ጽሑፉት ብትግርኛ ብኢግሊሽካልኦትን፣ ስታይል  
  • መጸባበቂ ናይ መንደቅ: ብደስ ዝበለና ሕብሪ፣ ጽሑፉት ብትግርኛ ብኢግሊሽካልኦትን፣ ስታይል 
  • ከምኡ ውን ንህያብ ዝኮው ንዓበይቲን ንቆልዑን ብዝመረጽናዮ ሕብርን ጽሑፋትን ዓቀንን(ክዳውንትን ካልኦትን) 
  • ብዙሕ ካልኦት ኣቅሕትን ውን ኣሎና 
  • ብዝያዳ ግን ባዕልኩም ግንጽልጽል እና ኣበልኩም ርኣይዎ ኢኩም።

ብኣቢኡ ፍሉይ ናዛ ዌብሾፕ ግን ንዓይ ምስ ኣብ ዝተፋላለየ ኩርንዓት ናይ ዓለም ዘሎኩም ከም ናተይ ሕብሪን ባህልን ቋንቋን ከተራክበኒ ምክኣል እዩ። ኣነ ንዓሰርተ ዓመት ዝኮውን ኣብ ሃገረ ኔዘርላድ ጌረ ኣለኩ። ኣብ ስራሕ ኮነ ኣብ ትምህርቲ ብቋንቋይ ኮነ ብባህሊ ናዓይ ዝመስል ዳርጋ ኣየጋጠመንን እሞ ብከምዚ መንገዲ ምሳኩም ክሰርህን ክላለን ደስ ይብለኒ።

ኣካል ናይዚ ጉዕዞ ስለ ዝኮንኩም የቀንየለይ።

ብሓባር ባህልና ብፍቅሪን ብኩርዓትን ብፈጠራን ህያው ንግበሮ።